ኣብ ቀረባ ዝምድና ዝፍጸም ዓመጽ
ብቐረባ ሰብኩም ምፍርራሕ፡ ምንዕዓቕ፡ ምድራት ወይ ኣካላዊ ዓመጽ ይወርደኩም ድዩ? ካብዚ ብገዛእ ርእስኹም ምውጻእ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ንስኹም ባዕልኹም እንተ ተጎዲእኩም ወይ ካልእ ሰብ ጉድኣት ይወርዶ ኣሎ ኢልኩም እንተ ጠርጢርኩም ደገፍ ክንህበኩም ንኽእል።
ኣብ ዝምድና ዝፍጸም ዓመጽ ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላዊ፡ ቁጠባዊን ጾታዊን ክኸውን ይኽእል፣ ኣብ ኩሉ ዓይነት ዝምድና ድማ ከጋጥም ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ዓመጽ ዝፍጽም መጻምድቲ እዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ካልኦት ኣዝማድ እዮም። ቆልዑ ንወለዶም ዓመጽ ዝፍጽሙሉ ኩነታት እውን ክህሉ ይኽእል።
እዚ ሓደ ሰብ ከምዚ ዝስዕብ ዝገብር ክኸውን ይኽእል፦
- ብኽፉእን ሕማቕን ስም ይጽውዓኩም ወይ ሕማቕን ኣሸገርትን ምዃንኩም ይነግረኩም።
- ይደፍኣኩም፡ ይወቕዓኩም፡ ይረግሓኩም ወይ ብኻልእ መንገዲ ይጎድኣኩም።
- ይቆጻጸረኩምን ይድርተኩምን፡ ዘይትደልይዎ ነገር ክትገብሩ የገድደኩም።
- ባህርኹም ወይ ኣነባብራኹም ክትቅይሩ የገድደኩም።
- ናብ ጾታዊ ነገር የገድደኩም።
- ቁጠባኹም ይቆጻጸር።
እንታይ ደገፍ ክረክብ እኽእል?
ከከም ድሌት ብዝተፈላለየ መልክዕ ደገፍ ንህብ። ንኣብነት፦
- ደጋፊ ዘተታት
- ሓለዋን ግዝያዊ መንበርን
- ምስ ካልኦት ኣካላት መንግስቲ፡ ንኣብነት ፖሊስ፡ ኣብ ዝግበር ርክብ ደገፍ
- ብናይ መነባብሮ ደገፍ ኣቢሉ ቁጠባዊ ሓገዝ።
ንዓኹም ኣብዚ ኣለና
ዝኾነ ሰብ ኣብ ቀረባ ዝምድና ዝፍጸም ዓመጽ ክወርዶ ይኽእል። እንተ ተጎዲእኩም፡ በይንኹም ከም ዘይኮንኩም ምፍላጥኩም ኣገዳሲ እዩ። ምኽርን ደገፍን ክንህበኩምን ብኽብርን ብምስትውዓልን ከም እትተኣናገዱ ንምርግጋጽን ኣብዚ ኣለና። ቆልዑ እንተ ኣለኩም፡ እቶም ቆልዑ እውን ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ፡ ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውሉ።