ናብ ትሕዝቶ ዝለል

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሲግቱና

ኮሙን ሲግቱና

ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰር ዓመጽ

ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰር ዓመጽን ጭቆናን ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ኣሎ፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ድማ ክግለጽ ይኽእል። ዝኾነ ሰብ ሕማቕ ክሕዘኩም ኣይፍቀደሉን። ጽቡቕ ክትህልዉን፡ እንተ ኣድልዩኩም ሓገዝ ክትደልዩን መሰል ኣለኩም።

ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰር ዓመጽን ጭቆናን እንታይ ማለት እዩ?

ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰር ዓመጽን ጭቆናን፡ ኩሎም ኣባላት ስድራቤት ስምን ክብርን እታ ስድራቤት፡ ማለት ክብራ፡ ንኸየበላሽዉ ገለ ሕግታት ክኽተሉ ኣለዎም ዝብል ጠለብ ምህላው እዩ። ብዘየገድስ ጾታ ወይ ጾታዊ ዝንባለ፡ ዝኾነ ሰብ ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰር ጭቆናን ዓመጽን ክወርዶ ይኽእል። ክትክተልዎም ትጽቢት ዝግበረልኩም ሕግታትን ልምድታትን እንተ ጢሒስኩም፡ ጉድኣት ክወርደኩም ይኽእል።

ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰር ዓመጽን ጭቆናን ከመይ ክመስል ይኽእል?

ከመይ ከም እትኽደኑን ንመን ከም እትራኸቡን፡ ንመን ከም እትምርዓዉ፡ ክትፋትሑ ትደልዩ እንተ ኴንኩም፡ ወይ ኣየናይ ሞያ ከም እትመርጹ ባዕልኹም ክትውስኑ ዘይትኽእሉሉ ኩነታት ትነብሩ ዲኹም? ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ዝበልኩሞ ወይ ዝገበርኩሞ ወረ ጥራይ ጉድኣት ንኽወርደኩም እኹል ክኸውን ይኽእል። እቶም ዝቆጻጸሩ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ኣባላት ስድራቤት እዮም – ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን። ኣብ ዝኸበደ ኩነታት ናይ ዓመጽ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ክወርደኩም ይኽእል።

ገለ ሰባት ብፍላይ ተነቀፍቲ እዮም

ምስ ናይ ክብሪ ልምድታት እትነብሩ ናይ LGBTQ ሰብ እንተ ኴንኩም፡ ካብ ተጻራሪ-ጾታዊ ዝንባለ ወጻኢ ዘሎ ነገር መብዛሕትኡ ግዜ ዘይሕሰብ ስለ ዝኾነ፡ ብፍላይ ተነቀፍቲ ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ስንክልና እንተ ኣለኩም እውን ብፍላይ ተነቀፍቲ ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ዓመጽ ዝፍጽም ሰብ ወይ ሰባት ዘለኩም ጽግዕተኛነት ዓቢ ክኸውን ስለ ዝኽእል፣ እቲ ዓመጽ ድማ ካልእ መልክዕ ይሕዝ እሞ ንምልላይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል።

ናበይ ክውከስ እኽእል?

እንተ ተጎዲእኩም፡ በይንኹም ከም ዘይኮንኩም ምፍላጥኩም ኣገዳሲ እዩ። ምኽርን ደገፍን ክንህበኩምን ብኽብርን ብምስትውዓልን ከም እትተኣናገዱ ንምርግጋጽን ኣብዚ ኣለና። እዚ መሰልኩም እዩ። ንመምርሒ ንክፍሊ ምቕባል ተወከሱ። ክሳብ 23 ዓመት እንተ ኴንኩም ምስ ናይ መንእሰያት ክሊኒክና እውን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ህጹጽ ሓደጋ፡ ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውሉ።

ርክብ

ተሌፎን
ናይ ስራሕ ሰዓታት
ሰኑይ–ዓርቢ 09:00–11:00፣ 13:30–14:30
ኣድራሻ
Södergatan 20, Märsta

ተወሳኺ ደገፍን ሓበሬታን