ቁጥዐን ናይ ምቁጽጻር ድሌትን ንምምሕዳር ደገፍን ሓገዝን
ቁጥዐኹም ንምቁጽጻር ይኸብደኩም ድዩ? ንስድራቤትኩም ወይ ንቐረባ ሰባትኩም ወቒዕኩም ወይ ኣፈራሪሕኩም ዲኹም፡ ወይ ከምኡ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም ኢልኩም ትስምዑ ዲኹም? ምቕያር ይከኣል እዩ፣ ሓገዝ ድማ ኣሎ።
ንኣና ተወከሱ እንተ ድኣ
- ቁጥዐኹም፡ ተጻባእነትኩምን ግዳማዊ ባህርኹምን ንምቁጽጻር ትሽገሩ ኴንኩም
- ኣብ ቀረባ ዝምድና ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ተጠቒምኩም ኴንኩም እሞ ምውቃዕን ምፍርራሕን ንምቁራጽ ሓገዝ ትደልዩ ኴንኩም
- ዓመጽ ዘይተጠቐምኩም ግን ኣብ ገዛ ዘሎ ግጭታዊ ኩነታት ናብ ዓመጽ ከየምርሕ ትስከፉ ኴንኩም
- ብሰንኪ ኣብ ገዛ ዝግበር ባእሲ ደቅኹም ጽቡቕ ኣይኮኑን ዘለዉ ኢልኩም ትስከፉ ኴንኩም።
ርክብ ምስ ገበርኩም እንታይ የጋጥም?
ርክብ ዝገብር ሰብ ናብ ዓመጽ ከምርሑ ዝኽእሉ ኩነታት ንምዝራብን ንምልላይን ሓገዝ ይረክብ። ሕክምና ንምሕታት መሰል ኣለኩም፣ ሽዑ ድማ ባህርኹም ንምቕያር መፍትሒታት ንምርካብ ሓገዝ ትረኽቡ። ብምስጢር ንሰርሕ፣ ናይ ምስጢር ምሕላው ግዴታ ድማ ኣለና።
ደገፍ ብኸመይ ክረክብ እኽእል?
ናብና ምስ ደወልኩም ብዛዕባ ኩነታትኩም ክትነግሩን እንታይ ሓገዝ ከም ዘድልየኩም ክትገልጹን ዕድል ትረኽቡ። መን ምዃንኩም ክትብሉ ኣየድልየኩምን። ንክፍሊ ምቕባል ክትውከሱ ወይ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት እቲ ኮሙን ደገፍ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።